ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንግዳያት ባሕሪን ኣረሜናዊ ዳዕሽን ዝገብርዎ ዘሎ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል

ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንግዳያት ባሕሪን ኣረሜናዊ ዳዕሽን ዝገብርዎ ዘሎ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል

Radio Erena : 29 April 2015

EthER

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንግዳያት ባሕሪ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽን ዝገብርዎ ዘሎ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሽወደን፣ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ዜጋታት ኤርትራውያን ኢትዮጵያን ናይ ክልቴአን ሃገራት ባንዴራ ብምልዓል ብሓባር ተኣኻኺቦም፣ ንወገናቶም ከምዝዘከሩ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ውሽጢ ኤርትር ዝርከብ ህዝቢ ግና፣ ግዳያት ኣረሜናዊ ዳዒሽን ማእከላይ ባሕሪን ንዝኾኑ ወገናቱ፣ ብሰንኪ’ቲ ንመንግስቲ ዘለዎ ፍርሒ ወግዓዊ ሓዘን ክገብረሎም ኣይከኣለን።

 

ሓያሎ ድምጻውያን ክልትኤን ሃገራት’ውን በብወገኖም ንዝነበሮም ናይ ትልህቲ መደባት ብሰንኪ እዚ ዘሎ እዋናዊ ሓዘን መደባቶም ከምዝሰረዙ ኣፍሊጦም።

በንጻር እዚ ግና ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣባላት ህግደፍ ድሕሪ ዘካየድዎ ሳልሳይ ዋዕላ፣ ንምሸቱ ንኤርትራውያን ግዳያት ንምዝካር ሽምዓ ኣብ ክንዲ ዘብርሁ ክስዕስዑን ክልሃዩን ከምዘምሰዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መንግስቲ ኣዋጅን ጻውዒትን ከይተጸበየ፣ ካብ 29 ሚያዝያ ክሳብ 3 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ወግዓዊ ናይ ሓዘን መዓልታት ብምስራዕ ንግድያቱ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ብምትእክኻብ ዝኽሪ ክገብረሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጽውዑ።

NB: ስእሊ ካብ ፌስቡክ ዝተወስደ

======================================

 

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0