ስዑዲ ዓረ፣ 900 ደቂንስትዮ ኣብ ምርጫ ኣመሓደርቲ ክወዳደራ’የን

ስዑዲ ዓረ፣ 900 ደቂንስትዮ ኣብ ምርጫ ኣመሓደርቲ ክወዳደራ’የን

Radio Erena: 01 December 2015

Eomen Sau

ኣብ ታሪኽ ስዑዲ ዓረብ ንመጀመርያ እዋኑ ኣስታት 900 ደቂንስትዮ ኣብ ምርጫ ኣመሓደርቲ ክወዳደራ’የን።

ኣብ 12 ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኣመሓደርቲ ንኽወዳደራ ድሮ ኣስታት 900 ሕጹያት ደቂንስትዮ ኣብ ህዝቢ ጎስጓስ የካይዳ ምህላወን’ውን ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣረጋጊጹ።

ብሕጊ እምነት ምስልምና- ሸሪዓ እትመሓደር ስዑዲ ዓረብ ካብ 2011 ኣትሒዛ ደቂንስትዮ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ፖለቲካ እታ ሃገር ክሳተፋን ክመርጻ ኮነ ክምረጻን መሰል ከምዘለወን እኳ እንተኣወጀት፣ ክሳብ እዚ ዓመት እዚ ዘተባብዕ ውጽኢት ከይተረኽቦ’ዩ ጸኒሑ።

 

ኣብ ናይ’ዚ ዓመት ምርጫ ኣመሓደርቲ ግና፣ ብዝሒ ዘለወን ተወዳደርቲ ይሳተፋ እኳ እንተለዋ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ድሕረ ባይታ ናይቲ ህዝቢ ኣብ ግምት ብምእታው ግና ክዕወታ ዘለወን ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የረድኡ።

ሓያሎ ኣኽረርቲ ወገናት እታ ሃገር’ውን ንተሳትፎ ደቂንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ኣትሪሮም ይቓወሙ ኣለዉ።

መሰል ደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ መሰል ደቂንስትዮ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ምርጫ ኣመሓደርቲ ክወዳደራን ክመርጻን መሰል ከምዘለወን እኳ እንተእወጀት፣ በንጻር እዚ ግና ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ፣ በይነን ክገሻ ይኹን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክርኣያ ኣይትፈቕድን’ያ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0