ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ መካ፣ ኣብ እዋን ሓጅ ብጽቕጥቕት ልዕሊ 700 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ መካ፣ ኣብ እዋን ሓጅ ብጽቕጥቕት ልዕሊ 700 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 25 September 2015

mecca

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከተማ መካ፣ ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ሓጅ ብሰንኪ ጽቕጥቕጥ ልዕሊ 700 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊጹ።

ኣብ መካ፣ ከባቢ ከዓባ ጥራይ ኣስታት 2 ሚልዮን ኣመንቲ ምስልምና ዓመታዊ ናይ ሓጅ እምነት ንምፍጻም ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን፣ ልዕሊ 700 ዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽቕጥቕት ብሕጽረት ትንፋስን ነቕጽን ከምዝሞቱ’ዩ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ዜና ዘመልክት።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብታ ከተማ ንሓጅ ምድላው ኣብ ዝገበረሉ ዝነበረ ግዜ፣ ካብ ላዕሊ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ሰፍሳፊ ከቢድቲ ኣቑሑ ማለት ክሬን ብምውዳቑ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።

 

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ዒድ ኣል ኣድሓ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንጽቕጥቕት እኹል ምድላዋት ብዘይምግባሩ ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ሓደ ሓደ ወገናት የረድኡ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0