ኣብ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንሸሞንተ መጋቢት ብኽብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዘኪረን

ኣብ ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንሸሞንተ መጋቢት ብኽብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዘኪረን

Radio Erena: March 10, 2014

eri women 

ኣብ ስዑዲ ዓረብን እስራኤል ዝርከባ ኤርትራውይ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ ዘኪረንኣ ውዒለን።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ብዝልኣኹልና ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ጅዳ ዝርከባ ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየዶ ጽምብል፣ ብሰንኪ ህግደፍ ግዳያት ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ምጥሓስ መሰልን ኮይነን ዘለዋ ደቂንስትዮ ብምዝካር፣ ኣብ ኤርትራ መሰል ጓለነስተይቲ ክሳብ ዝኽበር ድማ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካልእ ደሞክራስያዊ ምንቕስቃሳተን ንመሰል ደቂንስትዮ’ውን ክቃለሳ ምዃነን ኣገንዚበን።

 

እተን ካብ ሓያሎ ከባቢታት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጁዳ ዝተኣኻከባ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ መወዳእታ፣ ነታ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተዳለወት ፊልም ስዉእ ተዛሪቡ፣ ንኣዳልወታን ተዋሳእትን ብምስስጋን፣ ኣብታ ፊልም ንዝተዋስኣ ደቂንስትዮ’ውን ዘለዎን ድጋፍ ገሊጸን።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ኣብ እስራኤል’ውን ማሕበረኮም ኤርትራውያን ማእከል ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል፣ ንሸሞንተ መጋቢት ምስቲ ንደቂንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ገጢምዎን ዘሎ ብድሆታት ብምዝማድ ዘኪርንኣ ከምዝወዓላ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቴልኣቪቭ ሓቢሩ።

ኣብቲ ወከልቲ ዝተፈላለዩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ዝተሳተፍዎ ጽምብል ሸሞንተ መጋቢት፣ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ስደተኛታት ይበዓል ከምዘሎን ብምዝኽኻር፣ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ነዚ ከቢድ ጸገም እዚ ሰጊረን ብዓወት ክወጻ ከምዝግብአን ኣካያዲት ማእከል ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል ዘቢብ ሱልጣን ኣተሓሳሲባ።

ማእከል ደቂንስትዮ ኤርትራ፣ እቲ ኣብ እስራኤል ወግዓዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል ኤርትራውያን’ዩ።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0