ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ጉጅለ ፈላሚ ዑደታ ናብታ ሃገር ጀሚራ

Radio Erena: 26 July 2022

ክኢላታት ናይታ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወልዐ ዅናት፣ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እተጽንዕ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ፈላሚ ዑደታ ንምክያድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትያ።

እቶም ክኢላታት ናይታ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ጉጅለ፣ ካብ 25 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ሰበ ስልጣን መንግግስትን ካልኦት ኣካላትን ክትምያየጥ ምዃና ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈታ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ክኢላታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ ምስ እትራኸቦም ኣካላት ኣይነጸረነ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ካብ 4 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወልዐ ኵናት፣ ብኩሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢን ስደተኛታትን ንዝተፈጸመ ገበናት እትምርምርን እተጻርን ናጻ ኣካል ክትቐውም ውሳኔ ምሕላፉ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ውሳኔ፣ ኣብ መጋቢት 2022፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ሰለስተ ዝኣባላታ ጉጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ቆይማ፣ ስርሓ ብወግዒ ንምጅማር ፈላሚ ዑደታ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0