ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 300 በጺሑ

ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 300 በጺሑ

Radio Erena: 17 October 2017

mogadisho attack

ኣብ ሶማልያ ከተማ ሞቛድሾ ብቀዳም 13 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 300 ከምዝበጽሐ ሰብ ሞያ ሕክምና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብፎኵስን ከቢድን ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሰባት፣ እቶም ፍርቆም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዘረጋገጹ ሓካይም እቲ ሆስፒታል፣ እዚ ድማ ንቁጽሪ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቀትሉ ሰባት ልዕሊ 300 ከምዘዕረጎ ኣረዲኦም።

ኣብ ፍርስራስ ኣባይቲ ተጸቒጦም ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጡን ብኸቢድ ተሃስዮም ኣብ ኮማ ዝኣተዉን’ውን ስለዘለዉ፣ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

 

እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸበደ ምዃኑ ዝተነግረሉ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ኣብ ማእከል ዕሙር ናይ ዕዳጋ ከባቢ’ዩ ተፈጺሙ።

ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣሽሓት ነበርቲ ከተማ ሞቛድሾ ነቲ ሰለማውያን ሰባት ጥራይ ግዳይ ዝገበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምኹናን ብ15 ጥቅምቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ቱርኪ ብወገና፣ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህቡ ሰብ ሞያ ሕክምናን መድሃኒታትን ናብ ሞቛድሾ ልኢኻ ኣላ።

ሶማልያ፣ ብምኽንያት እዚ ኣማኢት ሰባት ዘህለቐ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኣወጀቶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ሎሚ ክትዓጹ’ያ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ተደጋጋሚ እዋን መጥቃዕታት ዘካይድ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ’ዩ ዝውቀስ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0