ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘድሓነቶም ናይ ንግዲ መርከብ ምውራድ ኣብዮም ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሓይሊ ወሪዶም

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘድሓነቶም ናይ ንግዲ መርከብ ምውራድ ኣብዮም ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሓይሊ ወሪዶም

Radio Erena: 21 November 2018

Libya Eritreans

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ካብ ሓደጋ ምጥሓል ዝደሓኑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 77 ሰባት፣ ካብታ ዘድሓነቶም ናይ ንግዲ መርከብ ንዓሰርተ ሓደ መዓልታት መዓልቶም ምውራድ ኣብዮም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ትማሊ ብሓይሊ ከምዝወረዱ ተሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት፣ ናብ ሊብያ ደጊም ኣይንምለስን፣ እታ መርከብ ናብ እትጎዓዞ ሃገር ውሰዱና ወይ ድማ ናብ ውሑስ ሃገር ኣሰጋግሩና’ዮም ክብሉ ጸኒሖም።

ንኩነታቶም ዝከታተል ዘሎ ሓካይም ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እታ መርከብ ነቶም ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምድሓና፣ ብ10 ሕዳር ናብ ሊብያዊት ከተማ ሚስራታ’ያ ሒዛቶም ተጸጊዓ።

 ====================

 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0