ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሕጽርት ትንፋስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 30 በጺሑ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሕጽርት ትንፋስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 30 በጺሑ

Radio Erena: 22 July, 2014

Af Im

ብ18 ሓምለ ብሓይሊ ባሕሪ ማልታን ኢጣልያን ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዝደሓነት ጃልባ ብጽቕጥቕጥ ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሪ 30 በጺሑ።

እታ ኣስታት 400 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወት ጃልባ፣ ብምትሕብባር ሓይሊ ባሕሪ ማልታን ኢጣልያን ብዝተገብረላ ህጹጽ ሓገዝ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ ፈላማ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ካብ ሞተር ናይታ ጃልባ ብዝወጽእ ዝነበረ ጋዝን ሕጽረት ትንፋስን 18 ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ተሓቢሩ።

 

ክልተ ኣዝዮም ዝተወጽዑ ድማ ብሄሊኮፕተር ናብ ሲሲልያ ከተማ ላምፔዱሳ ተወሲዶም።

ይኹን’ምበር እታ ጃልባ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ድሕሪ ምጽጋዓ፣ ብዝተኻየደ ምልኡ ፈተሻ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ትንፋስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ 30 ከምዝበጽሐ ሰበ ስልጣን ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ዜግነት ናይቶም ህይወቶም ስኢኖም ዘለዉ ሰባት ይኹን ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር ዳርጋ መብዛሕቶም ሶርያውያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለ ዘሎ።

ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝተፈላለየ ሃገራት ብዝሒ ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0