ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፣ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ፕረስ ነበር፣ ስዒድ ዓብደልሓይ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምርሕራሕ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓቲቱ

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፣ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ፕረስ ነበር፣ ስዒድ ዓብደልሓይ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምርሕራሕ ኣብ ጀርመን ዑቕባ ሓቲቱ

Radio Erena: 20 April 2016

Abdulhay

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፣ ዳይረክተር ጀነራል ፕረስ (ክፍሊ ጋዜጣ) ነበር፣ ስዒድ ዓብደልሓይ መሓመድ ሲራጅ (ስዒደና) ንመንግስቲ ኤርትራ ብምርሕራሕ ኣብ ጀርመን ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

ካብ 2010 ክሳብ 2012 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ስዒድ ዓብደልሓይ፣ ንሕክምና ናብ ጀርመን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ነቲ ን10ታት ዓመታት ዘገልገሎ ስርዓት ክርሕርሖ ከምዝወሰነ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ናይ ዓረብ ጋዜጠኛን ስዒድ ዓብዱልሓይ፣ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ድሕሪ ምቕያሩ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ኮሚሽን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሓላፍነት ከገልግል ጸኒሑ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ጋዜጠኛ ስዒድ ዓብደልሓይ፣ ብኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተዳለወት ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኣይንፈላለ ናብ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ምትርጓም ዓቢ ግደ ዝተጻወ’ዩ።

በብእዋኑ ንሕክምናን ካልእ ጉዳያትን ዝተላእኩ ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ንቡር ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0