ኣብ መዝርዓታት ሊብያ ሓተቲ ዑቕባ ጨፍጪፍኩም ተባሂሎም ኣብ ኢጣልያ ዝተኸሰሱ ክልተ ሰባት ን20 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 09 February 2022

ኣብ መዝርዓታት ሊብያ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ጨፍጪፍኩም ተባሂሎም፣ ኣብ ኢጣልያ ዝተኸሰሱ ክልተ ሰባት፣ ነፍሲ ወከፎም ን20 ዓመታት ክእሰሩ ከምዝተፈርዱ፣ ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ- ኣንሳ ሓቢሩ።

እቶም ወዲ 37 ከምኡ ድማ 33 ዓመት ዝኾኑ ክልተ ሰባት፣ ኣብ ሊብያ፣ ዙዋራ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝጽበዩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ማእሰርቲ፣ ማህረምትን ካልእ ስቅያትን ከምዘብጽሕሎም’ዮም ተኸሲሶም።

ብ3 ለካቲት፣ ኣብ ዞባ ሲቺልያ፣ ከተማ ፓሌርሞ ኣብ ዝወዓለ መጋባኣያ፣ እቶም ፓዙርን ሃሩንን ዝተባህሉ፣ ዜጋታት ባንግላዲሽ ዝኾኑ ክሱሳት፣ ገበነኛታት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ፣ ቤት ፍርዲ ን20 ዓመታት ክእሰሩ በይኑ።

ንሳቶም፣ ኣብ ግንቦት 2020፣ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምስጋሮም፣ ሓደ ካብቶም ግዳያት ናይቲ መዝርዓ ዝነበረ ሓታቲ ዑቕባ ከለልዮም ስለዝኸኣለ፣ ናብ ፖሊስ ምስ ሓበረ’ዮም ክተሓዙ ክኢሎም።

ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ፣ ንሓያሎ መሰኻክር ብምእካብ ብዘቕረቦ መርትዖ ድማ ቤት ፍርዲ ፓሌርሞ ገበነኛታት ምዃኖም ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0