ኣብ መዓስከር ሸገራብ፣ ሓደ ኤርትራዊ ብጥይት ተሃሪሙ

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ፣ ኤርትራውያን ኣንጸላልይዎም ካብ ዘሎ ናይ ጭውያታት ፍጻሜ ንምክልኻል ኣብ ዝሃቀንሉ እዋን ብዝተወልዐ ግጭት፣ ሓደ ኤርትራዊ ብጥይት ተሃሪሙ ቆሲሉ።

    እቲ ኣብ 20ን 21ን ጥሪ ኣብ ሸገረን ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ግዳያት እቲ ጭውያ ዝኮኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ነቲ ናይ ምጭዋይ መስርሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ራሻይዳን ከምእተኻየደ ዝሓበሩ ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መጠይቕ ዘካየዱ ናይ ዓይኒ ተዓዘብቲ፣ እቲ ኩነታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጥሪ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።

    ራሻይዳ፣ ካብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ሸገረን ካላሽን ዓጢቖም ብፒክ ኣፕ ዝዓይነተን መካይን እናመጹ፣ ብፍላይ ንደቂንስትዮን ምክልኻል ዓቕሚ ዘይብሎምን ኤርትራውያን እናጨወዩ ስለዘሸገርዎም፣ እቶም ኤርትራውያን ነብሶም ንምክልኻል ኣብ ዝፈተንሉ እዋን’ዩ እቲ ግጭት ተወሊዑ።

    ፖሊስ ሱዳን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ራሻይዳን ዝተወልዐ ግጭት ንምብታን ዘንብዕ ቦምባታት ከምእተተቕሙ’ውን እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0