ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ናብ ሱዳን ይግዕዙ ኣለዉ ተባሂሉ

ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ናብ ሱዳን ይግዕዙ ኣለዉ ተባሂሉ

Radio Erena: March 10, 2014

eri ethio Refu

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ሕጻጽን ተዓቝቦም ካብ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት እንደገና ካብቲ መዓስከራ ናብ ሱዳን ይስደዱ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ ማይ ዓይኒ ሓቢሮም።

እዚ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን በብእዋኑ ክርአ ዝጸንሀ እኳ እንተኾነ፣ ድህሪ’ቲ ኣብቲ መዓስከራት ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ተቓውሞ ግና መሊሱ ብኢሱ ከምዘሎ ተገሊጹ።

 

ኣውራ ጠንቒ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን፣ ብመንገዲ ሱዳን- ሊብያ- ማእከላይ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስንጣቕ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ምምሕዳር እቲ መዓስከራት ዘሎ ዘይዕጉብነት’ውን ተወሳኺ ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምጥያስ መስርሕ ዛሕቲሉ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ኣብቲ መዓስከር ብስም ኤርትራውያን ተመዝጊቦም መስርሕ ምጥያስ ዝጽበዩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምህላዎም’ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብትሪ ካብ ዝቓውምዎ’ዩ።

ብሰንኩ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሱ ኤርትራውያን ካብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ብር ክኸፍሉን ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ከምዝተፈርዶም ይዝከር።

እቶም ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ዝኾነ እታዊ ስለዘይብሎም፣ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎም ድማ ነቲ ብቤት ፍርዲ ተበይንሎም ዘሎ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ኣብ ምኽፋል ክትሓባበሮም ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተላብዮም።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0