ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ

Radio Erena: 19 May 2016

yem

ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ተወሳኺ ምዝርራብ ንምክያድ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ካይሮ ኣምሪሑ።

እቲ ልኡኽ ብሮቡዕ 18 ግንቦት ናብ ካይሮ ድሕሪ ምክእታዉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ግብጺ ከምዝተዘራረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ጽላት ሕርሻ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ወከልቲ ክልትኤን ሃገራት ብ8 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ከምዝዘተዩ’ውን ይዝከር።

 

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ምስ ሓያሎ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ መበል 25 ኦኣመት ጽምንባል ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፍ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዕድመ’ኳ እንተቐረበሉ፣ ብዛዕባ ምስታፉ ግና ዛጊት ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ብጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ኣብ ገማግም ወሓዚ ናይል፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ሕርሻን ካልእን ምትሕግጋዝን ንምስፋሕ’ያ ትጽዕር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0