ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ነጋድያንን ግብጻውያን ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ግጭት ተላዒሉ

Radio Erena: 02 May 2021

ኣብ ኢዮርሳሌም፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ነጋድያንን ግብጻውያን ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ግጭት ተላዒሉ።
‘ኣልመስር ኣልዮም’ ኣብ ናይ 30 ሚያዝያ ሕታሙ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ካብ ኢትዮጵያ በዓል ትንሳኤ ንምኽባር ዝነገዱ ሃይማኖታውያን፣ ኣብቲ ቤተክርስቲያን ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምንብልባሎም እቲ ግጭት ከምዝተላዕለ ኣመልኪቱ።
እቶም ግብጻውያን ካህናት፣ እቲ ቤተክርስቲያን ገና ብግብጺ ከምዝውነን፣ ኢትዮጵያውያን ኣቕሽሽቲ ከኣ ግጭት ንምልዓል ኮነ ኢሎም ነቲ ባንዴራታት ዘርጊሖሞ ክብሉ’ዮም ዝኸሱ።
ኢትዮጵያውያን ካህናት ብወገኖም፣ ኣብቲ ዝግበኦም ቦታ ከምዝነበሩ፣ ኣብቲ ዝዘርግሑዎ ቴንዳታት ከኣ ብዝመሰሎም መንገዲ ሃይማኖታዊ ግብኦም ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ የዘኻኽሩ።
ፖሊስ ከተማ ኢዮርሳሌም፣ ነቲ ኩነታት ከምዘረጋግኡዎ ዝገለጹ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ እቲ ግጭት ካብ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ጉዳይ ዝያዳ፣ ጉዳይ ፖለቲካ ምንባሩ ገሊጾም።
እዚ ግጭት ዝተላዕለሉ ብገዳም ሱልጣን ዝፍለጥ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ኣብ 1950 ዓመተምህረት ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙዎ ከምዝነበረ መዛግብቲ’ታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0