ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ዝተኸስተ ምስሕሓብ እናበኣሰ ይመጽእ ኣሎ

Radio Erena: 09 December 2020

ንመንግስቲ ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ጣልቃ ብምእታው ዝኸስስ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ዜጋታት ኬንያ ብዘይ ቪዛ ናብ ሶማል ክገሹ ንዝፈቕድ ኣዋጅ ሰሪዙ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ንኣምባሳደር ኬንያ ካብ ሞቛድሾ ብምስጓግ ኣብ ናይሮኒ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ድማ ስሒቡ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዜጋታት ኬንያ፣ ቪዛ ከይሓተቱ ናብ ሶማል ክገሹ ዝፈቕድ ሕጊ ብምልዋጥ፣ ካብ 13 ታሕሳስ ኣትሒዙ ናብ ሶማል ክኣቱ ዝደሊ ዝኾነ ኬንያዊ ኣቐዲሙ ቪዛ ክሓትት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኬንያ፣ ነቲ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ንዝርከብ መንግስቲ ብምድጋፍ፣ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተላዓዕሎ ከምዘላ’ያ ሶማል ትወቕስ።

ኣብ ዞባ ጌዶ ዝርከብ ፈደራላዊ ሰራዊት ሶማል እንተዘይስሒቡ፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ሓፈሻኢ ምርጫ ሶማል ከምዘይሳተፍን ካልእ ስጉምታት ከምዝወስድን’ዩ ዘጠንቅቕ።

ኣቐዲመን’ውን ብጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይን ጸጥታን ዶባትን ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሓ ሶማልን ኬንያን፣ ብሰንኪ እዚ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ጉዳይ ድማ ኣብ ዝበኣሰ ምትፍናን ይርከባ።

ኬንያ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ሶማል ተደጋጋሚ መግለጺታት፣ ኣብቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ዘዳውባ ከባቢታት ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ተዋፍር ከምዘላ ዝተፈላልዩ መርበባት ዜና ካብቲ ከባቢ ይጠቕሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆ፣ ምርጫ ሶማል ንምንዋሕ፣ ንጉዳይ ጁባላንድን ምትእትታው ኬንያን ከም ምኽንያት ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ዝተፈላልዩ ፖለቲከኛታት ኣጠንቒቖም።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማል፣ ያማማቶ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ፕረዚደንት ሶማል ምስ ኣመሪካ ዝኣተዎ ናይ ምርጫ መብጽዓታት እንተዘየተግቢሩ ኣለኡታዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0