ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምዝታይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ናብ ካርቱም ክኣቱ’ዩ

Radio Erena: 07 February 2021

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምዝታይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ሎሚ ሰንበት 7 ለካቲት ናብ ካርቱም ክኣቱ’ዩ።
እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፐካ ሃቪስቶ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ሓምዶክ፣ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ሓምዳን ዳጋሎን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ክዝራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ቀንዲ ዕላማ’ዚ ጉጅለ ልኡኽ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንኽርከበሉ ማሕበረሰብ ዓለም ክጻወቶ ዝግብኦ ተራ ንምዝታይ፣ ከምኡ’ውን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣትዩዎ ዘሎ ውግእን ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ፈጢሩዎ ዘሎ ምምዝባልን ንምዝርራብ ከምዝኾነ፣ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ሸውዓተ ክኢላታት ኣፈታትሓ ቅልውላው ዘጠቓለለ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቱ ምስ ዛዘመ፣ ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምራሕ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፣ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረብ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0