ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ውግእ ተኻይዱ

Radio Erena: 09 May 2022

ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ውግእ ተኻይዱ።

እቲ ናብ 8 ግንቦት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ከባቢታት ባድመን ራማን፣ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝተወልዐ ውግእ፣ ንኣስታት ሽዱሽት ሰዓታት ቀጺሉ፣ ደው ከምዝበለ ምንጭታት ኤረና ጠቒሶም።

ብክልቲኦም ወገን፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ተጠንቐቕ ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓሓሊፉ ንኡስ ግጭታት ክካየድ ምጽንሑ ኣመልኪቶም።

እዚ ብሰንበት ዝተኻየደ ናይ ከቢድ ብረት ውግእ፣ ናብ ምሉእ ኵናት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ከይዓርግ ዘስግእ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቦም።

ብዛዕባ’ዚ ዝተኻየደ ውግእ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራን ይኹን ሓይልታት ትግራይ፣ ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ሚሊሻታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጹን፣ ነቲ ከባቢታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥራይ ክቖጻጸሮን ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ ብወገን ሑመራ’ውን ሓድሽ ውግእ ከይውላዕ ተሰጊኡ ምህላዉ ‘ዩ ዝግለጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0