ኣብ መንጎ ልፍንቲ መስሪቱ ዘሎ ተቓውሞ ሱዳን፣ ምፍንጫል ከይመጽእ ተሰጊኡ

Radio Erena: 03 July 2019

ሰውራዊ ግንባር ሱዳን፣ ካብ ልፍንቲ ተቓወምቲ ውድባት ወጺኡ፣ ምስ ወተሃደራዊ ቆንስል ቀጥታዊ ዘተ ክጅምር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

መራሒ ናይቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካዪድ ዝጸንሐ ግንባር ምኒ ሚናዊ፣ ምስ ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል መሓመድ ሓምዳን ሐመቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ እቲ ልፍንቲ መስሪቱ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻብ ትካላዊ ቅርጺ ዝጎዶሎ ብሙዃኑ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ልፍንቲ ተጸምቢሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን ማለት (JEM) ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ዩ።

ብኻልእ ወገን ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ማሕበር ሞያውያን፣ ኣንጻር ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ን14 ሓምለ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ማሕበር ብ 2 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንዘተ ሰላም ቅሩብ ኣብ ርእሲ ዘይሙዃኑ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ንዝርከቡ መራሕቲ ቀቢላታት እንዳረኸበ ኣንጻር’ቲ ኣብ ከተማታት ተላዒሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ደው ክብሉ ይጉስጉስ ከምዘሎ ኣቃሊዑ።

ዕላማ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ነዚ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትፍናን ክፍጠር ዝሰርሓሉ ዘሎ ሓደገኛ ሜላ ንምቅዋምን፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ንኸረክብ ንምጽዋዕን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።

ናይቶም ብ30 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተቐትሉ ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፣ ስዉኣት ሓርነት ኢሎም ብምስያም፣ ሕነኹም ብምርግጋጽ ዕላማኹም ክፍደ’ዩ ክብሉ ቃሎም ኣስሚዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0