ኣብ መንገዲ ሸግርኒ ብሓደጋ መኪና ናይ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ቁጽሪ ልዕሊ 30 በጺሑ

ኣብ መንገዲ ሸግርኒ ብሓደጋ መኪና ናይ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ቁጽሪ ልዕሊ 30 በጺሑ

Radio Erena: 13 April 2018

eritrean accident

ኣብ ከባቢ ድርፎ፣ መንገዲ ሸግርኒ ብ4 ሚያዝያ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፣ ናይ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ቁጽሪ ልዕሊ 30 ከምዝበጽሐ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ልዕሊ 80 መንእሰያት ዝጸዓነት ‘ማርቸድስ’ ዝዓይነታ ነዋሕ ናይ ጽዕነት መኪና ወይ በጣሕ ኣብ መንገዲ ሸግርኒ ድሕሪ ምግምጣላ ብውሕዱ 18 መንእሰያት ብኡ ንብኡ ክሞቱ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሖም ዝሞቱ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እቶም ኣባላት ክፍለሰራዊት 59 ምዃኖም ዝተገልጹ መንእሰያት፣ ገሊኦም ብግፋ ኣብ ከባቢ ሳዋ፣ ኣብ ተሃድሶን ማእሰርትን ዝጸንሑ ኮይኖም ካልኦት ከኣ ኣብ ከባቢ ሕምብርትን ኣፍዓበትን ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ንተወሳኺ ታዕሊም ናብ ከባቢ ጋሕቴላይ እናወረዱ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

በቲ ሓደጋ ብፈኵስን ቀሊልን ዝቖሰሉ 10ታት መንእሰያት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ መብዛሕተን ግዳያት እቲ ሓደጋ ደቀንስትዮ ምዃነን’ዮም ዘመልክቱ።

 ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0