ኣብ መቃናዊ ስምምዕ ሰላም ሱዳን ዘይፈረሙ ሓይልታት ንሳቶም ዘይሳተፍዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ከይምስረት ጸዊዖም

Radio Erena: 15 March 2023

ኣብ ጽባሕ ምክትል ፕረሲደንት ሱዳን ናብ ኤርትራ ዑደት ምክያዱ፤ኣብ መቃናዊ ስምምዕ ሰላም ሱዳን ዘይፈረሙ ሓይልታት ንሳቶም ዘይሳተፍዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ከይምስረት ጸዊዖም።

ሰክረታሪ ዴሞክራስያዊ ብሎክ፣ሚኒ ሚናዊ፤ምስ ኣብ መቃናዊ ስምምዕ ሰላም ዘይፈረሙ ሓይልታት ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ፣ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክስየም ከም ዘይፈቕዱ ሓቢሩ።

ንሱ ነዚ ዝበለ፣ኣባል ሓይልታት ሰላምን ለውጥን ያሲር ኣርማን ብሰንበት ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ሓድሽ መራሒ ንምምራጽ ክዛተዩ ምጽንሖም ድሕሪ ምቅልዑዩ።

ሚናዊ፣ከምዚ ዓይነት መግለጺታት ንፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዃን ሓሊፎም ዝፍይድዎ ከም ዘየለ ብምሕባር፤ምንቅስቃሱ ንዝኾነ በዚ ኣገባብ ዝተመርጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ይኹን መንግስቲ ከም ዘይቅበል ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ብጉዳይ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ይንገር።

ነታ ሃገር ኣብ 2021 ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ ክመርሕዋ ዝጸንሑ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፣ኣብ መንጉኦም ዝጸንሐ ኣፈላላይ፣ብቀዳም 11 መጋቢት ብልዝብ ምፍትሖምን፣ንዕኡ ስዒቡ ምክትል ፕረሲደንት ሱዳን ብሰኑይ 13 መጋቢት ናብ ኤርትራ ምብጽሑን ይዝከር።

ንሱ ኣብ ዑደቱ፣ብዛዕባ ፖለቲካዊ መስርሕ ሱዳን ንፕረሲደንት ኢሰያስ መብርሂ ከም ዝሃቦን፤ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኑ፤ ሰራዊት ሱዳን ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓራ ብምዃን፤እወንታዊ ተራ ክጻወት ከም ዝተማሕጸኖን ይሕበር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0