ኣብ መርሓኖ ዝርከብ ኣብያተ ሸቐጥ ኢትዮጵያውያን ናብ ከባቢ ዓዲ ኣቤቶ ክግዕዝ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ኣብ መርሓኖ ዝርከብ ኣብያተ ሸቐጥ ኢትዮጵያውያን ናብ ከባቢ ዓዲ ኣቤቶ ክግዕዝ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

Radio Erena: 01 March 2019

ኣብ ከባቢ መርሓኖ ዝርከብ ኣብያተ ሸቐጥ ኢትዮጵያውያን ክሳብ 3 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ከባቢ ዓዲ ኣቤቶ ክግዕዝ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

ኣቐዲሙ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፣ ብፍኑይ ክካየድ ዝጸንሐ ንግዲ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ከባቢ መርሓኖን መናሃርያን ጥራይ ክሕጸር ተወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ከባቢ ዓዲ ኣቤቶ ክግዕዝ ዝተደልየሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ብመሰረት እቲ ተዋሂቡ ዘሎ መርምርሒ፣ እቲ ካብ መርሓኖ ናብ ዓዲ ኣቤቶ ክግዕዝ ተወሲንሉ ዘሎ ሸቀጠ፣ ካብ ኢትዮጵያ ብመካይን ጽዒኖም ንዝመጹ ነጋዶ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ክልኩል ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ።

ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ዶባት ምኽፋቱ፣ ነቲ ብስእነት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት፣ መግቢን ናይ ህንጻ ኣቑሑን ተጨናኒቑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፣ ተዛማዲ መፍትሒ ረኺቡ እኳ እንተሎ፣ እቲ ናይ ሸቀጥ ፍቓድ ንኢትዮጵያን ጥራይ ይወሃብ ምህላዉ ግና ንብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ ኣቖጢዑ ይርከብ።

ዶብ ሑመራ – ኦምሓጀር፣ ንኢትዮጵዮጵያውያን ነጋዶ ክፉት ክኸውን እንከሎ፣ ኤርትራውያን ነጋዶ ግና ፍቓድ የብልኩም እናተባህሉ ካብ ከባቢ ተሰነይ ኣትሒዞም ይዕገቱ ምህላዎም ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ምስ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብን ተተሓሒዙ፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ኣባላት ስለያን ምቅትታል ይርአ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣብቲ ከባቢ ብውሕዱ ኣርባዕተ ኣባላት ሰራዊት ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0