ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ጾታዊ ኣፈላላይን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ዘጠቓለለ ሪፖርት ብወግዒ ተዘርጊሑ

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ጾታዊ ኣፈላላይን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ዘጠቓለለ ሪፖርት ብወግዒ ተዘርጊሑ

Radio Erena: 25 November 2018

 Guterez and fakiኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ጾታዊ ኣፈላላይን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ዘጠቓለለ ሪፖርት ወግዓዊ ኮይኑ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ዲፕሎማሰኛታት ብዝገበሩዎ ጸቕጢ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ጾታዊ ኣፈላላይ ክትምርምር ዝቖመት ኮሚቴ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ሰራሕተኛታት’ቲ ሕብረት ዝኾና 39 ደቀንስትዮ ብዘቕረብኦ ቃል ምስክርነት ተሞርኲሱ፣ ነቲ ጸብጻብ ከምዘቕረበ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ሕብረት፣ ሰራሕተኛታት ኣብ ምቑጻር፣ ሰበይ ሰብካን ወገንነትን ከምዝረኣዩ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ጸብጻብ፣ ውልቃዊ ረብሓ ምዕዛዝን ብልሽውናን እውን ብሰፊሑ ክካየዱ ምጽንሖም ኣመልኪቱ።

እቲ ጸብጻብ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንኣባል ሃገራት ተገሊጹ ክነሱ፣ እቲ ሕብረት ኣሰራርሑኡ ንምምሕያሽ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ሓደ ካብ ዝሕመየሎም ጉዳያት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 11 ፍሉይ ዋዕላ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፣ ሓድሽ ቅርጽን ኣወዳድባን ከምዘተኣታቱ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስምሞዖም ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተራእየ ኣፈላላይን ዓመጽን፣ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡ ብምህላዉ፣ ሃገራት ምዕራብ ነቲ ሕብረት ዝገብራሉ ደገፍ ክጸልዎ ከምዝኽእል’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝገልጹ።

ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ’ዚ ንህዝቢ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ጸብጻብ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0