ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ’ውን ንሓያሎ ሰባት የጥቅዕ

Radio Erena: 22 September 2016

Ago Hos

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ’ውን ንሓያሎ ሰባት ከምዘጥቕዐ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ዘየቋርጽ ውጽኣት ብምስዓብ ኣካላት ዘድክም ሕማም ዘጥቕዖም ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፣ ሰብ ሞያ ሕክምና ከኣ እቲ ሕማም፣ ሸሮኽ ወ ኮሌራ ምዃኑ ከምዝረጋገጹን ዝበጽሓና ሓበሬታ የመለክት።

እዚ ብጉድለት ጽሬትን ጥዕንኡ ብዘይተረጋገጸ መግብን ማይን፣ ተቕማጥ/ውጽኣት ብምስዓብ ዝኽሰት ተላባዒ ሕማም ሸሮኽ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኣብ ምብራቕ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምዝተራእየ ክግለጸ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል፣ ከባቢ ደማዚን ኣማኢት ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑን 10ታት ከኣ ከምዝሞቱን ሬድዮ ዳባንጋ ንምንጭታት ሕክምና እቲ ከባቢ ብምውካስ ኣረጋጊጻ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን፣ ለብዒ እቲ ሕማም ደው ከምዝበለን፣ ቁጺሪ ግዳያት ከኣ እናጎደለ ይመጽእ ከምዘሎን’ዩ ዝሕብር።ንሱዳንን

እንተኾነ፣ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት፣ 12 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝሞቱ ዝሓበረት ሬድዮ ታማዙ፣ ሓካይም እቲ ዞባ መንግስቲ ሱዳን፣ ለብዒ እቲ ሕማም ከምዘሎ ክእውጅን ሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ክሓትትን ከምዝጸውዑ ጠቒሳ።

ብዘይካ’ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ እቲ ሕማም ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን’ውን ከምዝተራእየ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኤርትራ’ውን እቲ ሕማም ሓያሎ ሰባት የጥቕዕ ምህላዉ ሰብ ሞያ ጥዕና እኳ እንተረጋገጹ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ግና ዝኾነ መግለጺ ይኹን ህዝቢ ክጥንቐቐሉ ብዛኦባ ዝግባእ መብርሂታት ኣይሃበሉን።
=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0