ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ህይወቶም ሓሊፉ

Radio Erena: 26 September 2017

ERAF MIG 29

ኣብ ልምምድ ዝነበረት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብሰኑይ 25 መስከረም ወዲቓ፣ ክልተ ኣብረርታ ህይወቶም ሓሊፉ።

እቶም ሓደ ወዲን ሓንቲ ጓለነስተይትን ዝኾኑ ክልተ ምኩራት ኣብረርቲ ብሰሉስ 26 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ፣ ኣብ ኣስመራ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ብሰንኪ መቀያየሪ ኣቑሑን ብቀጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ህድማ ምኩራት ቴክኒሻናትን፣ ብግቡእ ዘይተጸገናን ነፈርቲ ሒዞም እናበረሩ ብምውዳቖም፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ጥራይ ብውሕዱ ኣርባዕተ ምኩራት ኣብረርቲ ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ ክልተ ኣብረርቲ፣ ኣብ ኤርትራ ከምዝተገጣጠማ ዝንገረለንን ቀንዲ ጠንቂ ተደጋጋኒ ሓደጋን ሞትን ኣብረርትን ዝኾና ዘለዋን ‘ዚሊን’ ዝተባህላ ንኣሽቱ ናይ ልምምድ ነፈርቲ ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣብ ምልኪ ጥራይ ዝተመርኮሰ ምሕደራ፣ ሓይሊ ኣየር ንዝርከቦ ወትሃደራዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውያን ጽላታት ኤርትራ ብኸቢድ ተሃስዩ፣ ምኩራት ኣባላቱን ሰብ ሞያን ብቅጻሊ ክሃድሙ’ዮም ዝርኣዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0