ኣብ ሊብያ ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት 8 ሱዳናውያን ተቐቲሎም

ኣብ ሊብያ ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት 8 ሱዳናውያን ተቐቲሎም

Radio Erena: 31 July, 2014

Libya fight

ኣብ ሊብያ ከተማ ጥራብሎስ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ሸሞንተ ሱዳናውያን ከምዝተቐትሉ ኤምባሲ ሱዳን ካብታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊብያ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጥራብሎስን ቤንቓዝን እቲ ግጭት እናሓየለ ስለዝመጸ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታተን ብጹጽ ኣብ ምውጻእ ይርከባ።

ይኹን’ምበር መዓርፎ ነፈርቲ ጥራብሎስ ብሰንኪ እቲ ግጭት ተዓጽዩ ስለዘሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሚቲጋ ዝተባህለ ንእሽቶ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣዕለቕሊቑ ይርከብ።

 

ማእከላይ መንግስቲ ሊብያ ንጸጥታ እታ ሃገር ክቖጻጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወዲቑ ስለዝርከብ፣ ዕጡቓት ሚሊሻ ነንኸባቢኦም ተቖጻጺሮም ኣብ ምምሕዳር’ዮም ዝርከቡ።

እዚ ድማ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ፋሉልነት ከየውድቓ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ኩነታት ነቶም ካብ ሱዳን ተበጊሶም ብመንገዲ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ጥንቓቐታት ክገብሩ ዝተፈላለዩ ወገናት ምሕጽንታ የቕርቡ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0