ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 67 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 130 ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም

Radio Erena: 31 December 2020

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 67 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 130 ስደተኛታት፣ ኣብ ርዋንዳ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ተሰጋጊሮም።

እዞም ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ካብ መዓስከራት ሊብያ ናብ ግዝያዊ መጽንሒ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም’ዮም።

እቲ መስርሕ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝጅምር፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 515 ስደተኛታት ካብ ሊብያ፣ ናብ ግዝያዊ መጽንሒ ጋሾራ ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

እቶም ኣስታት 120 ናብ ሽወደን፣ ኖርወይን ካናዳን ክጣየሱ እንከለዉ፣ ፈረንሳ እትርከበን ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ካብዚ መጽንሒ ተወሰኽቲ ናይ ምጥያስ መስርሕ ክቕጽላ ምዃነን ይገልጻ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ስደተኛታት ናብ ውሕሱ ቦታ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ኣቛሪጽዎ ዝነበረ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ’ዩ፣ 153 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ብምግዓዝ ዳግም ጀሚሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0