ኣብ ሊብያ፣ ብሰንኪ ህበይ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት 20 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 23 November 2016

Sebha

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ሰብሓ ብሰንኪ ህበይ ብዝተወልዐ ግጭት ብውሕዲ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ካብ ዓሌት ጉዳድፋ ብዝኾነት ስድራ ከምእትውነን ዝተገልጸት ህበይ፣ ንሓንቲ ካብ ዓሌት ኣውላድ ሱሌማን ዝኾነት ተማሃሪት ስለዝፋሕጠረታን ናይ ርእሳ መጎልበቢን ስለዝቀልዓታን፣ ስድራቤት እታ ቆልዓ ሕነ ንምፍዳይ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ’ዩ እቲ ግጭት ተጎሃሂሩ።

ኣብ መንጎ ዓሌታት ጉዳድፋን ኣውላድ ሱልኤማንን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ጽልእ ከምዘሎ ዝሓበረ ጸብጻብ ቢቢሲ፣ እቲ ብህበይ ዝተበገሰ ግጭት ዓሌታዊ መልክዕ ብምሓዙ፣ ብውሕዱ 20 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ኣስታት 50 ከኣ ቆሲሎም።

ነቲ ምሉእ መዓልቲ ዝቀጸለ ግጭት፣ ብሮኬታትን ድሩዓት መካይንን ዝተሰነዩ ዕጡቓት’ውን ከም ዝተጸንበርዎ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይሕብሩ።

ኣብ ደቡባዊ ሊብያ እትርከብ ከተማ ሰብሓ፣ ሓንቲ ካብ መዋፈሪ ስደተኛታት ምዃና ይፍለጥ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0