ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን- ኤርትራዊ ግርማይ ገብረስላሴ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ

ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን- ኤርትራዊ ግርማይ ገብረስላሴ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 25 April 2016

Ghir

ኣብ ለንዶን ኣብ ዝተኻየየደ መበል 36 ናይ ማራቶን ቅድድም ጉያ እግሪ ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረ ስላሴ መበል ራብዓይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብቲ ናይ ዓለም ብሉጻት ዝበሃሉ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ናይ ማራቶን ቅድድም ጉያ እግሪ ኬንያውያን ኣትለታት ቀዳማይ ካልኣይን ደረጃ ክሕዙ እንከለዉ፣ ኢትዮጵያ ኣትልልለተ ቀነኒሳ በቐለ ከኣ ሳልሳይ ብምዃኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ቻይና ከተማ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ወርቂ ማዳልያ ዝዓተረ ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገበርስላሴ ራብዓይ ደረጃ ክሕዝ እንክከሎ፣ ካልኣዩ ኤርትራዊ ገብረእግዝኣብሔር ክብሮም ከኣ 10ይ ደረጃ ብምሓዝ ክልተ ኤርትራውያን ምስ ብሉጻት 10 ክስርዑ ክኢሎም።

 

ትማሊ 24 ሚያዝያ ኣብ ለንዶን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኣስታት 40 ሽሕ ተቐዳደምቲ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ግርማይ ገብረስላሴ፣ ኣማኑኤል መሰል፣ ሳሙኤል ጸጋይ፣ ገብረእግዝኣብሔር ክብሮምን ተወልደ እስቲፋኖስን ከኣ ንኤርትራ ብምውካል ተወዳዲሮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0