ኣብያ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ይቕጽል

ethio protestኣብ ኢትዮጵያ ብተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝጀመረ ኣብያ ህዝቢ፣ ናብ ሓያሎ ንኣሽቱ ከተማታት’ታ ሃገር እንዳለሓመ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፣ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝወሰደ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ከተማ ደብረ ታቦር ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክካየድ እንከሎ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣብ ዱር ቤቴ ዝተባህለት ከተማ’ውን ብተመሳሳሊ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲ ኣፍሊጡ።

 

እቲ ውድብ ብኣፈኝኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዞባ ኣምሓራ ይካየዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሕቶ ሰልፈኛታት ሕጋውነት ከምዘለዎ፣ እንተኾነ ግን ገለ ወገናት ናብ ረብሓኦም ንምቕያር ተንኮላት ይምህዙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ቡሬ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሓደ ውልቀሰብ ክመውት እንከሎ ካልኦት ሰለስተ ከኣ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ። ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ምስ መንግስቲ ዝደናገጹ ዝበልዎም ትካላት ከምዘዕነዉ ይግለጽ።

ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይን ትካላቶምን ብናዕበኛታት ዝወርድ ጉድኣት ስልጡን ፖለቲካዊ ባህሊ ብዘይምዃኑ ደው ክብል ኣለዎ ክብሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት የተሓሳስቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0