ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት 2,900 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ኣብ ፖለቲካ ሃገራት ምዕራብ ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ 2,900 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝደሓኑ፣ ካብ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

    እቶም ብሰኑይ ለይትን ሰሉስ ወጋሕታን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ሞት ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ዝነበረ ስደተኛታት፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድን ስፐይንን ብምትሕብባር ከምዝድሓንዎም ተገሊጹ።
እቶም ኣብ 21 ጀላቡ ዝነበሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ዜጋታት ሶርያ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኤርትራውያን’ውን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።
    ምስ’ዞም ናይዚ ሳልስቲ ህይወቶም ዝደሓኑ ሓዊስካ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ናብ ኢጣልያ ናይ ዝኣተዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ናብ 68 ሽሕ ክብ ኢሉ ኣሎ። ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ኣብ ኢጣልያ ልዕሊ 80 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ኣጽሊሎም ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር፣ እኹል ቀረብን መጽለልን ስለዘይርከብ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።
    ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ምዕቋብ’ዞም ስደተኛታት ሓገዝ ዘበርክታሉ መንገዲ ንምንዳይ ኣብ ቀጻሊ ኣኼባታት ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት ከባቢ 40 ሽሕ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተኛታት ወግዓዊ ዑቕባ ክወሃቦም ምዃኑ ይግለጽ።
    ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ካብ ሶርያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘለወን ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ጉዳዮም በብውልቂ ክረአ፣ እቶም ናይ ቁጠባ ጸገም ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመጹ ግና፣ ነናብ ዓዶም ክፋነዉ ዝብል ይርከቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0