ኣብዚ ዓመት’ዚ ምርጫ ካብ ዘካይዳ 11 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብውሕዱ ኣብተን ኣርባዕተ ግጭታት ክጎሃሃር ተኽእሎ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 January 2021

ኣብዚ ዓመተ 2021፣ ኣብ 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ኡጋንዳን ቻድን ገለ ካብተን ኣብዚ ዓመት’ዚ ምርጫ ከካይዳ ወጢነን ዘለዋ ሃገራት’የን።

መራሕቲ ኡጋንዳ፣ ቻድን ጂቡቲን፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል’ዮም ምርጫ ዘካይዱ ዘለዉ።

ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድረኽ ዝርከባ ኢትዮጵያን ሶማልን ድማ፣ ኣብ ሰንኮፍ ዘለዉ መራሕቲ ስልጣኖም ንምውሓስ፣ ኣብ ምርጫ 2021 ንምዕዋት ኣብ ምጉያይ ይርከቡ።

ብፍላይ ብናይ ብሄር ግጭታት ኣብ እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያን ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ እትምራሕ ዘላ ኡጋንዳን፣ ድሕሪ ምርጫ ናዕቢን ረጽምታትን ክኽሰት ምዃኑ’ዮም ፖለቲካውያን ተንተንቲ ዝእምቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ 2021፣ ብናዕቢን ግጭታትን ብቐጻሊ ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ዓለም፣ ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ ኣህጉራዊ ምርግጋእ ግጭታት ዝተባህለ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ብቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑዋ ዘሎ ንኣፍጋኒስታን’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0