ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ኣዋርሕ 90 ሽሕ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ተሰዲዶም

Radio Erena: 08 November 2019

ካብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ኣስታት 90 000 ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ የመን ከም ዝኣተዉ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ኣፍሊጡ።

ካብዞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስድጋር ሓሊኖም ናብ የመን ዝወሓዙ ስደተኛታት እቶም 90% ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም እቲ ማሕበር ገሊጹ።

እቲ ማሕበር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ኣማኢት ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ የመን ክመልስ እኳ እንተኸኣለ፣ ብኣናጻሩ፣ ብመንገዲ ጅቡቲን ሶማልን፣ ቀይሕ ባሕሪ እናሰገሩ ናብ የመን ዝኣትዉ ዘለዉ ብዝሒ ኢትዮጵያውያን እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

መብዛሕቶም ካብቶም ናብ የመን ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ ኣብ የመን እብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም ክተርፉ እንከለዉ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገቲ ደቂሰብ ተሸይጦም፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት እታ ሃገር ብግዴታ ዝተሰለፉ’ውን ከምዘለው፣ ክሃድሙ ዕድል ዝረኸቡ ሓያሎ፣ ቃል ምስክርነቶም ሂቦም።

ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣስታት 1 ሽሕ ዝኮኑ ስደተኛታት’ውን ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ።

ዝሓሸ መነባብሮ ንምንዳይ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ሓሊነን ዝተበገሳ ኣዴታት ምስ ደቀን’ውን፣ ራስ ኣል ኣራ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትን ይኾና ምህላወን ዝተፈላለዩ ወገናት በብእዋኑ ኣመልኪቶም።

ኣብታ ዝሓለፈ ዓመተ 2018 ጥራይ፣ ክሳብ 200 ሽሕ ዝግምገሙ ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ሰሜን ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ከምዝተሰዱ ጸብጻብ እቲ ማሕበር ኣገንዚቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0