ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንስልማት ኖቤል

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንስልማት ኖቤል

Radio Erena: 08 October 2015

Abba Mu

ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ልዑል ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራዊ ካህን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ክዕወቱ ተኽእሎ ከምዘሎ ትንታነታት ይቀርብ ኣሎ።

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ካብ 2003 ኣትሒዞም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ካብ ማእከላይ ባሕርን ካብቲ ኣብ ሊብያ ዝተወልዐ ናዕብን፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዘድሓኑ’ዮም። 

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝምቕማጦም ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ዝህብዎ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ናይ ዘንጸላለዎም ስደተኛታት ናይ ቴሌፎን ጻውዒት ብምቕባልን ንሃይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ካልኦት ኣብ ምድሓን ህይወት ዝነጥፋ ኣሃዱታት ኣብ ምሕባርን ዝተፈልጡ’ዮም።

 

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣብ ስደተኛታት ከም ምልክት ተስፋን ሰላም ዝርእዩ ኮይኑኦም፣ ፍረ ናይኦ ዝኾነ ጻማ ተጸብዮም ዘይዓየይዎ ሰናይ ተግባር ከኣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ተረቁሖም።

ምስ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንናይ ሰላም ስልማት ኖቤል 2015 ተረቁሖም ካብ ዘለዉ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ቫቲካን ኣቡነ ፍራንሲስን ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከልን ይርከብዎም።

ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖቤል 2015 ጽባሕ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ ብወግዒ ክፍለጥ’ዩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0