ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክገብር ጸዊዖም

Radio Erena:09 October 2022
ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክገብር ጸዊዖም።
ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 4 ክሳብ 6 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ባይቶ ጸጥታ ይኹን ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣውን ወተሃደራውን ቅልውላው ክፈትሑዎ ብዘይምኽኣሎም ነቐፌታ ኣቕሪቡ።
ኣባላት ፓርላማ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ህወሓትን ብፍላይ ብምትኳር፣ ዘድሊ ማዕቀብን መጠንቀቕታን ንምቕራብ ይሕግዝ እዩ ዝበሎ እማመ ኣቕሪቡ።
ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ብተወሳኺ፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ባንክ ዓለምን፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ንምኽታም ንዘቕረብዎ ቅድመ ኩነት ብምኹናን፣ ብሕታውያን ትካላት ማዕረ መንግስታውያን ትካላት ዕድል ክወሃበንን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝመሓደራ ትካላት ናብ ናይ ውልቂ ዝሰጋገራሉ መንገድታት ክፍጠርን ጸዊዑ።
ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ኢትዮጵያ ከተጽንዕ ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ እውን ዕድመ ስልጣና ክናዋሕ ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣባላት’ቲ ፓርላማ ብተወሳኺ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ነባሪ ፍታሕ ክሳብ ዝርከበሉ፣ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዞባ ክዋፈር ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ብራስለስ ብዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኩሉ’ቲ ብፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ እማመ ነጺጉዎ ኣሎ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ግዲ ከይገበረ፣ እቲ ፓርላማ፣ ናብ ክልል ትግራይ ጥራይ ፍሉይ ኣተኩሮ ምሃቡ፣ ጉዳይ ፖለቲካ ደኣምበር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣይመስልን ኢሉ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0