ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወዶም ንፕረዚደንት ወ.ሉ. ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ የእትዮም

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወዶም ንፕረዚደንት ወ.ሉ. ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ የእትዮም

Radio Erena: April 16, 2014

Peter

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወዶም ንፕረዚደንት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ ዝርከቦም ሓሙሽተ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

እቶም ጴጥሮስ ቀሺ ዮሴፍ፣ ኤርምያስ ሓድጉን ኣሮን ምሕረቱን ዝተባህሉ ዝርከብዎም ሓሙሽተ መንእሰያት ኣመንቲ ክርስትናን ወንጌላውያንን፣ ብሮቡዕ 26 መጋቢት ብኣባላት ጸጥታ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ክፍለጥ ከምዘይክኣለ’ውን ሓቢሮም።

 

ሲኖዶስ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤት ከርስትያን ኤርትራ ካብ 27 ክሳብ 29 መጋቢት ኣኼባ ብምክያድ ንሰንበት 30 መጋቢት ድማ ነቶም ሓሙሽተ ወንጌላውያን ናይ ክህነት ማዕረግ ክህቦም ምድላው ኣብ ዝወድኣሉ ግዜ’ዩ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም መንእሰያት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም።

ብስም ማሕበር ትንሳኤ ዝፍለጡ ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ተጋደልትን ኣባላት ህግደፍን፣ ንንጥፈታት እቶም መንእሰያት ካብ ነዊሕ እዋን ክስልዩን ክከታተሉን ከምዝጸንሑ ዝሓበሮ እቶም ምንጭታት፣ ነቶም ሓሙሽተ መንእሰያት ናብ ጴንጤቆስጣል ዛዚኹም መንእሰያት ኣነቓቒሑክም እናበሉ ክወቕስዎም ከምዝጸንሑ’ውን ኣረዲኦም።

እታ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝቖመት ማሕበር ትንሳኤ፣ ኣባል ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤት ክርስትያን ደኣ ትኹን’ምበር፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤተ ክርስትያን ምንቕስቃስ መንእሰያት ኣብ ምክትታልን ሓይሎም ድማ ካብ ናብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናብ ፖለቲካዊ ደገፍ ንመንግስቲ ክዛዝዉ ከምእትሰርሕ’ዩ ዝንገረላ።

እታ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተክርስትያን ዝቖመት ብማሕበር ትንሳኤ እትፍለጥ ናይ ተጋደልቲ ምትእኽካብ፣ ንወንገላውያን መንእሰያት እታ ቤተክርስትያን ከም ናይ ገንዘብ ብልሽውናን ካልእን ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ሜላታት እናተጠቕመት ንሓድሕዶም ክወናጀሉ ክትገብር ከምዝጸንሐት’ውን እቲ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ጸብጻብ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ’ተን ሕጋውያን’የን ኢሉ ዝሓቖፈን ሃይማኖታት ጣልቃ ብምእታው፣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎታተን ብምድኻም ከም ጥብቖ ህግደፍ ናብ ናይ ፖለቲካ መጋበርያ ክልውጠን ከምዝሕልን ናይ ኦርቶዳክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኩነታት ህያው ኣብነት ምዃኑ ዘዘኻከረ እቲ ጸብጻብ፣ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን’ውን ቀስ እናበለት ግዳይ ኣዚ ምትእትታው እዚ ትኸውን ምህላዋ ኣገንዚቡ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0