ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን፣ ሓያሎ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከሰላ ኣቝሲሎም

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን፣ ሓያሎ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከሰላ ኣቝሲሎም

Radio Erena: 12 December 2014

KasUni

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከሰላ ዩኒቨርሲቲ ናይ ተማሃሮ ተቓውሞ ክካየድ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ብዘካየድዎ ሃንደበታዊ ከበባ፣ ሓያሎ ተማህሮ ከምዝተኣስሩን ክሃድሙ ዝፈተኑ ካልኦት ድማ ከምዝቖጸሉን ምንጭታት ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቶም ተማሃሮ፣ መራሕቲ ማሕበር ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምምራጽን ናይ መጻኢ መደባቶም ንምሕንጻጽን ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን፣ ብኣርባዕተ መካይን ተጻዒኖም ዝመጹ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ከባቢ ብምእታው ብጎነጽ ከምዝበተንዎም’ውን ተገሊጹ።

 

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ከሰላን ፖርት ሱዳንን ተቓውሞታት ቤጃን ራሻይዳን እናሓየለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ ግዜ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ከባቢታት ሓይልታት ጸጥታኡ ኣብ ምድልዳል ከምዘሎ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳንን ኣብ ባይታ ክዕወት ኣይከኣለን ብዝብል ምኽንያት’ዩ ተቓውሞታት ራሻይዳን ቤጃን እናዓበየ ክመጽእ ዝርአ ዘሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0