ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዑደት ኣካዪዶም

ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ዑደት ኣካዪዶም

Radio Erena: 06 March 2019

congress of america

ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ሓጺር ዑደት ኣካዪዶም።

እቶም ኣባላት ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ ኣመሪካ፣ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ድሕሪ ምዝዛሞም ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ኤርትራ ምስጢራዊት ሃገር እያ ኮይና ጸኒሓ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓድሽ ምዕባለታት ተርእይ እኳ እንተላ ብፍላይ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ቅልጡፍ ምምሕያሽ ከተርኢ ንትስፎ፣ ኢሎም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ዝነበሩ ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ሓያሎ ዜጋታት፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍትሑ ተስፍኦም ገሊጾም።

እቶም ኣባላት ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ምስ ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍን ዝኣመሰሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተራኸቡ፣ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ንመጀመሪያ እዋኑ ዝተኻየደ’ዚ ዑደት፣ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንምጽጋን ሓገዝ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ቅልጡፍ ለውጢ እንተዘየምጺኡ ፍረ ከምዘይህልዎ፣ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የመልክቱ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0