ኣባላት ስርሒት ስለያ ሱዳን፣ ምጥያስ ኣይንቕበልን ኢሎም

Radio Erena: 25 August 2019

ኣብ ሱዳን ኣገልግሎት ስለያ ክፍሊ ስርሒታት ዝነበሩ ኣባላት፣ ካብ ኣሃዱታቶም ፋሕ ክብሉ ንዝተዋህቦም ትእዛዝ ነጺጎሞ።

ጀነራል ዳይረክተር’ቲ ኣገልግሎት ስለያ ኣቡበከር ሙስጦፋ ብሓሙስ 22 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ እቶም ኣባላት ክፍሊ ስርሒታት ዝነበሩ፣ ወይ ምስ ምዱብ ሰራዊት ክጽምበሩ፣ ወይ ምስ ምልሻ ጃንጃዊድ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ግቡእ መጣየሲ ተዋሂቡዎም ክፋነዉ ሙዃኖም ገሊጹ።

ቁጽሪ ናይ’ቶም ኣባላት ስርሒታት 13 ሽሕ ዝበጽሕ ኮይኑ ዝበዝሕ እዋን ንብረት መንግስቲ ኣብ ምሕላውን፣ ናይ ወርቅን ነዳድን ዕደና ዝካየደሉ ከባቢታት ምቁጽጻርን እዮም ተዋፊሮም ጸኒሖም።

እንተኾነ ንስርዓት ኣልበሽር ዝዓለወ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ምስ ጀመረ፣ ኣብቲ ናዕቢ ብምስታፎም ካብ ስርሖም ክሰናበቱ ከምዝተወሰነ ይግለጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ መራሒ ጃንጃዊድ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፣ ክፍሊ ስርሒታት ስለያ፣ ምትዕርራይ የድልዮ’ሎ ብምባሉ፣ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን እቲ ክፍሊ ቀዳማይ ዒላማ ክከውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0