ኣስመራ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ክትሰፍር’ያ

ኣስመራ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ክትሰፍር’ያ

Radio Erena: 15 July 2016

Asmara

ከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለምUNESCO ክትሰፍር ከምእትኽል ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ ካብ 10 ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ቱርኪ፣ ከተማ ኢስታምቡል ኣብ ዝጋባእ ዘሎ መበል 40 ዋዕላ ኮሚተ ውርሻታታት ዓለም ምዃኑ ኤምባሲ ቱርኪ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ኤምባሲ ቱርኪ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ እቲ ኣብ ኢስታምቡል ዝጋባእ ዘሎ ኤርትራ’ውን እትሳተፎ ዘላ ዋዕላ ኣብ፣ ጥንታዊ፣ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ኣገዳስነት ዘለዎም 29 ቦታታት ኣብዚ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ንምስፋሮም ዝቐረበ እማመታት ይዝትየሉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

 

ብኢጣልያውያን መሃንድሰት ብ “ኣርቲዴኮ’ ዝቖመት ከተማ ኣስመራ፣ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ንምስፍራ፣ ሓንቲ ካብተን ሑጹያት ቦታታት ንኽትከውን፣ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ 1 ለካቲት 2016 ናብ UNESCO ከምዘቕረበ ይፍለጥ።

ከተማ ኣስመራ ኣብ ሓምለ 2017ሓንቲ ካብ ውርሻታት ዓለም ኮይና ክትምዝገብ’ውን ተኽእሎ ከምዘሎ ጸብጻብ ኤምባሲ ቱርኪ ይእንፍት።

ኣብዚ እዋን 108 ቦታታት ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ዝሰፈሩ ክኾኑ እንከለዉ፣ 48 ካብዝኣቶም ኣብ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ሓደጋ ዝለዉ’ዮም።

መዝገብ ውርሻታት ዓለም ብUNESCO ዝዳሎ ኮይኑ ጥንታዊ፣ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ኣገዳስነት ንዘለዎም ቦታታት ዘስፍር’ዩ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0