ኣስመራ፣ ዝተጻረየ ዕሹግ ማይ ዘፍርያ ትካላት ደው ክብላ ተሓቢርወን

Radio Erena: 31 July 2019

ኣብ ኣስመራ፣ ብ”ማይ ሰሓ” ዝፍለጥ፣ ዝተጻረየ ዕሹግ ማይ ዘፍርያ ትካላት፣ ደው ክብላ መምርሒ ከምዝተዋህበን ተምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እተን ትካላት፣ ፍርያተን ደው ከብላ እንተይኮይኑ፣ ስለምንታይን ክሳብ መዓስን? ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ብፍላይ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብታ ዓዲ ዝበጽሑ ገያሹ፣ ብሰንኪ ስእነት ዝተጻረየ ዕሹግ ማይ፣ ከም ሸብ ብዝኣመሰለ ማዕድናት እናጻረዩ ክጥቀሙ ይርኣዩ ምህላዎም ሓደ ካብቶም ኤርትራ በጺሑ ዝተመልሰ ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ገለ ዱኳናትን ነጋዶን፣ ብሕቡእ ዘቀመጥዎ ዕሹግ ማይ፣ ብስቱር ብዝኸበረ ዋጋ ከምዝሸጡ’ውን ጠቒሱ።

ካብ ሱዳን ይኹን ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንዳ ዝኣቱ ዕሹግ ማይን መግብታት’ውን ጽኑዕ ቁጽጽር ይካየደሉ ምህላዉ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣፍሊጦም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0