ኣስመራ፣ ውህሉል ዕዳ፣ ግምታዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ፍታሕ ኣይረኸበን

Radio Erena: 08 May 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ከተማ ኣስመራ፣ ብስም ውህሉል ዕዳ ኤሌክትሪክ ንነበርቲ ዝተሰልዓሎም ግምታዊ ብዝሒ ገንዘብን ኣከፋፍልኡን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተፈትሐ ተሓቢሩ።

“ብሰንኪ ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ፣ ዝሃለኸ ዓቐን ኤሌክትሪክ ክቖጽርን ክንምዝግብን ተጸጊሙ ከምዘሎ ብናይ መንግስቲ ማዕከናት ዜና ዝሓበረ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብግምት ዝሰልዖ ዕዳ ኣብ ኣከፋፍልኡ ፍታሕ ክግበር ምዃኑ’ዩ ተመባጺዑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ህዝቢ ኣስመራ፣ ዋላ’ውን ናይቲ ዝበዝሐ መዓልታት መብራህቲ ዘይነበረትሉ እዋናት ብግምት ተጸብጺቡ፣ ዝተሰልዓሉ ኣሽሓት ውህሉል ዕዳ ክኸፍል’ዩ ዝግደድ ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0