ኣስመራ፣ ወከልቲ ባይቶን ኣመሓደርቲ ምምሕዳራትን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ቀሪቡ

ኣስመራ፣ ወከልቲ ባይቶን ኣመሓደርቲ ምምሕዳራትን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ቀሪቡ

Radio Erena: 13 March 2019

ወከልቲ ባይቶን ኣመሓደርቲ ምምሕዳራትን ደቡባዊ ምዕራብ ኣስመራ፣ ብ10 መጋቢት ንህዝቢ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብመሰረት ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳኔ ዶባት ስለምንታይ ዘይሕንጸጽ? ምሕንጻጽ ዶብ ስለምንታይ ይደናጎ ኣሎ? ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ኤክስፖ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኣስመራ ገኒኑ ንዘሎ ክትራን፣ ዝምታን ዓመጽን መንግስቲ እንታይ መፍትሒ ኣለዎ ዝብል ዛዕባ’ውን ካብ ተሳተፍቲ ተላዒሉ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ንነዊሕ ዓመታት ከም ንቡር ተወሲዱ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ክሳብ መዓስ’ዩ ከይተፈትሐ ክቕጽል ዝብልን ካልእ ማሕበራዊ ሕሰማትን ከም ሕቶ ቀሪቡ።

ይኹን’ምበር እቶም ወከልቲ ባይቶን ኣመሓደርቲ ምምሕዳራትን፣ “ዝምልከቶ ኣካል ሒዝዎ ኣሎ” እናበሉ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ሕቶታት ክምልሱ ከምዘይካሉ ተፈሊጡ።

ህዝቢ ኣብ ዘዝረኸቦ ኣጋጣሚታት፣ ተመሳሳሊ ሕቶታት የልዕል ከምዘሎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ምምሕዳራት ከባቢ ኣስመራ፣ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ይኹኑ ትምህርቶም ንዝቛረጹ መንእሰያት ክሳብ 15 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝጽውዕ መጠንቐቕታታት ይዝርግሓ ኣለዋ።

ብዘይካ’ዚ ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ዝተመደቡ፣ ዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታትን ካልኦት ኣባላት ሚሊሻን፣ ዝተሰርዓሎም ናይ ታዕሊም መደባት ከካይዱ ን15 መጋቢት ኣብ ኤክስፖ ክርከቡ መጸዋዕታ ተዘርጊሑ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0