ኣስመራ፣ ካብ ዩቱብ ፊልምታት ብምቕዳሕ ዘርጊሐን ዝተባህላ ትካላት ተዓሺገን

Radio Erena: 17 April 2023

ኣብ ኣስመራ፣ ካብ ዩቱብ ፊልምታት ብምቕዳሕ ዘርጊሐን ዝተባህለ 25 ትካላት መሸጣ ኤለኢክትሮኒክስ ከምዝተዓሸጋ፣ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኣገልግሎት ዜና፣ ብ14 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ እተን ትካላት፣ ካብ ዩቱብን ካልእ መርበባት ኢንተርነትን ዘውረድኦ፣ ብባህልን ስነ ምግባርን ጽዩፍ ትሕዝቶ ሒዘን ከምዝተረኽባ’ዩ ወቒሱ።

ነፍሲ ወከፈን ድማ 10 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍላን ንሓደ ወርሒ ክዕጸዋን ከምዝተወሰነ እቲ መንግስታዊ ምንጪ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንዩቱብን ካልእ መርበባት ኢንተርነትን ክኸፍት ዘኽእል ብቑዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘየለ፣ ህዝቢ ዝተቐድሐ ፊልምታት፣ ደኩመንታሪን ካልእ ዘገድሶ ትሕዝቶታትን ካብ ትካላት መሸጣ ኤሌክትሮኒክስ ብመንገዲ ፍላሽ ዲስክን ዲቪዲን ክገዝእን ክካረይን ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ንህዝቢ ካብ ሓበሬታ ዓፊኑ ከምዝሓዘ ዝግለጽ መንግስቲ፣ ነቲ ተቐዲሑ ዝሽየጥን ዝካረይን’ውን ቁጽጽር ከምዝገብረሉ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም፣ ብርክባት ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ፣ ምዝርጋሕ ካብ ኣስመራ ዝተወስደ ኣሳእል ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ምዝርጋሕ ኣብ ኤርትራ ዝተኸልከለ መዛሙር፡ ደርፍታትን ፊልምታትን፣ ምውህላል ናይ ወጻኢ ሸርፊን ካልእን የሰላስሉ ኣለዉ ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ምክትታል ይካየድ ምህላዉ ራድዮ ኤረና ኣብ 13 ታሕሳስ 2022 ፈነወኣ ምቅልሓ ይዝከር።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ዝቐነዩ ኣዴታት ዝርከብኦም ሓያሎ ሰባት፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተመልስሉ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣሲሮም ከምዝተወስዱ ‘ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ተሓቢሩ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0