ኣስመራን ከባቢኣን ንሸሞንተ ተኸታታሊ መዓልታት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ

ኣስመራን ከባቢኣን ንሸሞንተ ተኸታታሊ መዓልታት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ

Radio Erena: 04 July, 2014

Asmara by Night

ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ጸዓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣስመራን ከባቢኣን ንሸሞንተ ተኸታታሊ መዓልታት ኤሌክትሪክ ከምዘይነበረ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ኣብ ኤርትራ ሓይሊ ኤሊክትሪክ ንነዊሕ ሰዓታት ከቋርጽ ንቡር ተርእዮ ኮይኑ፣ ንልዕሊ ሰሙን ዝኣክል ብተኸታታሊ ከቛርጽ’ውን ሳሕቲ ይርኣ’ዩ።

ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ተኸታታሊ መዓልታት ምቁራጽ፣ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ንውሱን ሰዓታት ኤሌክትሪክ ከምዝነበረ’ውን እቲ ዝበዝሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

ብሰንኪ’ዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ዝመጽእ ዘሎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ህዝቢ፣ መዓልታዊ መነባብርኡ ክመርሕ ተጸጊሙ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ድማ ብሰንኪ እዚ ናይ ኤሌክትሪክ ጸገም ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣሸጊርዎም ከምዘሎ’ዮም ዘማርሩ።

ኣብ ኣስመራ፣ ሓይሎ ትካላት ናይ ውልቂ ጀነሬተራት እናገበራ ኣገልግሎት ክህባ ዝፍትና እኳ እንተኾነ፣ እኹል ናፍታ ንምርካብ’ውን ከቢድ ጸገም ከምዘለወን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0