ኣርባዕተ ኤርትራውያን፣ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020 ተሓጽዮም

Radio Erena: 24 November 2020

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020” ተሓጽዮም።

ነዚ ብወደብቲ ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን፡ ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት ንኽወስዱ፡ ትማሊ ሰኑይ 10 ተቐዳደምቲ ዝተሓጽዩ ክኾኑ ከለዉ፡ 4 ካብ’ዞም 10 ኤርትራውያን እዮም።

እቶም ንሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ተሓጽዮም ዘለዉ 10 ተቐዳደምቲ፡ ቢንያም ደበሳይ ካብ ክለብ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቪንስ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ክለብ ኤን.ቲ.ቲ.፡ ያቆብ ደበሳይ ካብ ክለብ ላ ኮንቲ ግሩፓማ-ኤፍ.ዲ.ጀይን ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ክለብ ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ-ሲደርሜክን እዮም።

ምስ’ዞም 4 ተቐዳደምቲ፡ ተወላዲ ቡርኪናፋሶ ፖል ዳውሞንት፡ ኢትዮጵያዊ ሃይለሚካኤል ሙሉ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረል ኢምፐይ፡ ካሜሩናዊ ክሎቪስ ካምዞንግ፡ ርዋንዳዊ ሞይሰ ሙጊሻ፡ ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ረግዊግዊ ተሓጽዮም ኣለዉ።

ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ከምኡ’ውን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረል ኢምፐይ፡ “ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ” ተባሂሎም ክሩቑሑ፡ ልዑል ትጽቢት ተጌርሎም ዘለዉ 3 ተጻወትቲ እዮም።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ክብሪ’ዚ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2016 ተዓዊቶሙሉ ኔሮም።

ንሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ” ድምጻ እትህብ ሽማግለ፡ ብኣቦመንበርነት 5 ግዜ ተሸላሚ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ዝኾነ ፈረንሳዊ በርናርድ ሂናውልት እትምራሕ ኮይና፡ ኣሰልጠንቲ፡ ዳይሬክተራት ስፖርት፡ መራሕቲ ጋንታን፡ ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን ጋዜጠኛታትን ይርከብዋ።
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0