ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ምስ ቀጠር ኣቋሪጸንኦ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣሐዲሰን

Radio Erena: 07 January 2021

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬይንን ግብጺን፣ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳታት በረራታት ክሊ ኣየርን ንግዲን
ዳግም ናብ ንቡር ክመልሳ ምዃነን ተሰማሚዐን።

እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ፣ ምስ ቀጠር ዝጸንሐን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብምታኽ፣ ን3 ዓመታት ኣብ ከበባ ኣእትየንኣ ድሕሪ ምጽናሕ’የን፣ ድሕሪ’ቲ ብሰሉስ 5 ጥሪ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ወሽመጥ፣ እቲ ከበባ ከምዘብቅዐ ዝገልጻ ዘለዋ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝጸንሕ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ሓያሎ ሃገራት ተበግሶታት ከምዝወሰዳ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ሕጂ ተዓዊቱ ዘሎ ስምምዕ ግና ብመንጎኝነት ንግስነት ኩዌት ከምዝተማእከለ ተሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝመራሕተን ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዘንበርኦ እገዳታትን ከበባን ከልዕላ እንተኾይነን ከም ቅድመ ኩነት ከቕርብኦ ካብ ዝጸንሓ 10 ነጥብታት፣ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ከተቋርጽን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ሰራዊት ቱርኪ ክወጽእን ዝጠልብ’ዩ።

እንተኾነ፣ ቀጠር፣ ነዚ ብኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ዝቐረበ ጠለባት ከምዘይተማልእ ብምርግጋጽ፣ ዘሰሓሕብ ጉዳያት እንተሎ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ቅርብቲ ምዃና ክትገልጽ ጸኒሓ።

ሃገራት ወሽመጥ ንዘንበርኦ እገዳን ከበባን ብምልዓል ምስ ቀጠር ዝምድና ንምሕዳስ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓሉ ነጥብታት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ዝያዳ ምትእምማን ንምፍጣርን ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ምትፍናን ንምእላይን ተወሳኺ ዘተን ስምምዓትን ከምዘድሊ ኩሎም ወገናት ኣሚቶም።

እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዝጸንሐ ምስሕሓብ፣ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ጽልዋታት ፈጢሩ’ዩ።

ኤርትራን ጂቡቲንን ምስ ቀጠር ዝነበረን ዲፕሎማሲ ብምዝሕታል ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ክሕዛ እንከለዋ፣ ሱዳንን ሶማልን ግና ጸገማት ሃገራት ወሽመጥ ብዘተን ሽምግልናን ክፍታሕ ብምጽዋዕ ጸግዒ ናይ ዝኾነ ወገን ኣይሓዛን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0