ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ምስ ሚኒስተር ዕዮ እታ ሃገር ተዘራሪቡ

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ምስ ሚኒስተር ዕዮ እታ ሃገር ተዘራሪቡ

Radio Erena: 04 April 2018

Ambassador of Eritrea to Saudi

ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ምዕባለታትን ስዑዲ ዓረብ ዶ/ር ዓሊ ቢን ናስር ኣል ግፈስ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር መሓመድ ዑመር ማሕሙድ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዘዘራረቦ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ንኣምባሳደር ኤርትራ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ፣ ብ28 መጋቢት፣ ዘዘራረበሉ ጉዳያት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኣብታ ሃገር ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል ኣባላት እቲ ኤምባሲ ነበር ይእምቱ።

እቲ ርክብ ብወገን ኤምባሲ ኤርትራ ዝተጸውዐ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ዘሕለፈቶ ሓድሽ ኣዋጃት፣ መብዛሕተን ኣዴታትን ምስ ደቀን ዝርከብኦም ኤርትራውያን ነታ ሃገር ገዲፎም ናብ ሱዳንን ግብጽን ክሰግሩ ጸኒሖም’ዮም።

ብዘይካ’ዚ እታ ሃገር ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይጸንሖም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብኣልማማ ኣብ እትገፈሉ ዘላ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ልዕሊ 50 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ሰነዳት እቲ ኤምባሲ ይጠቕስ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0