“ኣምባሳደር ሃና፣ ኣብ ኣስመራ ትእዛዝ ፕረዚደንት ትጽበ ኣላ”

Radio Erena: 05 August 2019

ናብ ኣስመራ ክትምለስ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዝተዋህባ ትእዛዝ ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ፣ ሃና ስምኦን፣ ጉዳያ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃቦ ኣብ ኣስመራ ከምዘላ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ ኣምባሳደር፣ ናብ ዝነበረቶ ቦታ ክትምለስ ድያ ወይ ክትድስክል ወይ ድማ ካልእ ጽፍሒ ክወሃባ፣ ኣብ ኣስመራ ውሳኔ ፕረዚደንት’ያ ትጽበያ ዘላ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ፓሪስ፣ ድሕሪ ምፍናዋ፣ ምስ ወዳ ኣብ ቤልጁም ከምዝቐነየት ኣመልኪቶም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0