ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደብሮም ተቓወምቲ ኦሮሞ ንምዝርራብ ናብ ኣስመራ ኣምሪሑ

ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደብሮም ተቓወምቲ ኦሮሞ ንምዝርራብ ናብ ኣስመራ ኣምሪሑ

Radio Erena: 06 August 2018

Lemma Megerssa

ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደብሮም ተቓወምቲ ኦሮሞ ንምዝርራብ ሎሚ ሰኑይ 6 ነሓሰ ናብ ኣስመራ ኣምሪሑ።

ምስ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ’ውን ናብ ኤርትራ ከይዱ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ፋና ኣረጋጊጹ።

ክልትኦም ሰበ ስልጣን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝዝጸንሕሉ፣ መራሒ ናይ ሓደ ዕጡቕ ክንፊ ኦሮሞ ምስ ዝኾነ ዳውድ ኢብሳን ካልኦትን ክዘራገቡ ትጽቢት ኣሎ።

ኣቐዲሙ፣ ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት ኦሮሞ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ገለ ክፋል ግና ቅድመ ኩነታት ብምቕራብ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ኣየቅንዑን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ምውህሃድ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኤርትራ ካብ ዝነጥፉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብርጋዴር ጀነራል መስፍን ኣማረ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ተሓቢሩ’ዩ።

እቲ ጀነራል ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዕጡቓት ተቓወምቲ ደምህትን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኤርትራ ኩነታትን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ’ዩ ዝግለጽ።

ደሞክራስዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዕጥቓዊ ቃልሱ ደው ከምዘበለ እኳ እንተሓበረ፣ መጻኢኡ ግና ብወግዒ ኣየፍለጠን።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዝመደበሮም ዕጡቓት፣ ሓርበኛታትን ግንቦት ሸውዓተን ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጠቕሊሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ዝበዝሑ ክፋል ተቓወምቲ ክልል ሶማል ወይ ኦጋዴን ብወገኖም ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ተበግሶታት ከምዝድግፉ እኳ እንተገለጹ፣ ዕጥቒ ኣውሪድካ ናብ ኣበባ ምምላስ ግና ግዜኡ ከምዘይኮነ’ዮም ዝጠቕሱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0