ኣማል ክሉኒ (በዓልቲ ቤት ጆርጅ ክሉኒ) ኣብ ዘ ሄግ፣ ኣማኻሪት ኣኽባር ሕጊ ንጉዳይ ዳርፉር ኮይና

Radio Erena: 19 September 2021

ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ንጉዳይ ዳርፉር ክርእይ ዝተመዘዘ ኣኽባር ሕጊ፣ ንኣማል ክሉኒ ከም ላዕለወይቲ ኣማኻሪት መዚዙዋ።
በዓልቲ ቤት ንህቡብ ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ጆርጅ ክሉኒ ዝኾነት ኣማል ክሉኒ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ክትሳተፍ ምጽናሓ ይግለጽ።
ዑመር ኣል-በሺር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝተፈጸመ ዝግለጽ ህልቂት ዳርፉር፣ ነቲ ፕረዚደንት ነበርን ተሓባበርቱን ብገበን ምጽናት ዓሌት ከምዝኽሰሱ ገይሩዎም እዩ።
ኣብ 2003-2004 ጥራይ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ 2.5 ሚልዮን ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።
ኣማል ክሉኒ፣ መራሒ ምልሻ ጃንጃዊድ ናይ ዝነበረ ዓሊ ቁሻይብ ጉዳይ ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፣ ወኪል ግዳያት ዳርፉር ብምዃን ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ተሳቲፋ’ያ።
በዓል ቤታ ህቡብ ናይ ሆሊዉድ ተዋሳኣይ ጆርጅ ክሉኒ ብተመሳሳሊ፣ ንግዳያት ዳርፉር ብምጥባቕ ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0